ኣምላክ   መን  ኢዩ?   

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና ኣምላክ ሰብ ኢዩ።ይዛረብ ኢዩ, ይገብር ኢዩ, ስሚኢት ኣለዎ።እዚ ካኣ ርዱእ ኢዩ ን ኣምላክ ከም ሓደ ሰብ ንፈልጦ።እዚ ኣምላክ ኢዩ ካኣ ምስ ሰባት ኮይኑ ክሰርሕ ተምኒዩ።

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፎ ኣምላክ ዘልኣለማዊ ኢዩ።ኣምላክ መወዳእታ(ዶባት)የብሉን።ኩሉ ክገብር ይክእል ኢዩ,ኩሉ ዘደሊዮ ይገብር ኢዪ።ኣብ ዝደልዮ ሰአት ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ።እሱ ንዘልኣልም ዝጸነሐ ኣምላክ ኢዩ ንዘልኣልም ከኣ ይጸንሕ ኢዩ።

ንኩሉ ዝፈጠሮም ነገራቱ ከኣ ማራ አደነቅቲ ኢዩም።ነገር ግን ኣምላክ ምስ ሰባት ርክብ ክገብር ንእኡ አቢይ ነገር አይኮነን,እሱ ፍጹም ቅዱስ ኣምላክ ኢዩ።ሓጥያትና ካኣ ክዕገስ ወይ ክስከም ኣይክእልን ኢዩ።

ከም ናቱ ሓቂ ክነግረና ከሎ ኣምላክ ሰባት ቅኑኣትን ርቱ ኣትን ክኮንሉ ይደልይ ኢዩ።በቲ ናቱ ፍቅርን ርሕራሔን ከኣ ንሰባት ምሱኡ በሓንሳብ ኮይኖም ሕይወቶም ክመርሑ ይእድሞም።ነኣካውን ይፈትወካ ኢዩ,ክላልየካውን ይደልዩ,በሓቂ ኣምላክ ዝደልዩ,ኣምላክ ከኣ ይረክቦም ኢዩ።

 ኣምላክ ንዓና ንሰባት ከመይ ጌሩ ይዛረበና

መጀመሪያ ኣምላክ ንዓለም ፈጠራ,ከምኡን ሰማያት ቁጽሪ ብዘይብሎም ኮኮባት ፈጢሪውም።ንምድሪ ከኣ ምስ እንስሳትን አግራባትን መልኣ።ብእስትንፋሱ ሸይሙ ድማ ሰብ ፈጠረ,ምክንያቱ ኣምላክ ፈጣሪ ስለዝኮነ,ስራሕ ይእዳው አብ ኩሉ ንርእዮ ኣለና።ታኣምራቱ,ፍጥረቱ, ብጽባቀ ፍጥረቱ ድማ ንሕና ሰባት ኩሉ ግዜ ንድነቅ.ኣምላክ ድማ ብስራሕ ይእዳው ኩሉ ግዜ ብዘረባና ይነብር። ነገር ግን ኣምላክ ነዓና ዝበልጸ መርዳእታ ብዛእቡ ክሕበና ደሊዩ.ብመጻሓፍ  ጌሩ ከኣንዓና ንሰባት ክነግረና ደልዩ።እቲ መጻሓፍ ከኣ መጸሓፍ ቅዱስ ይበሓል።

ኣብ 1600ዓ,ም ኣምላክ ን40 ሰባት ኣተሲኡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ አጽሒፍውም.ከምቲ ኣምላክ ዘሓሰቦን ዝደሊዮን ወላ ሓንቲ ቃል ካይጎደለ ክጽሕፍዎ ነቶም ጸሓፍቲ መሪጽዎም።ብከምዚ ዩ ከኣ ንሰባት ንዓና እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላክ ዝተጸሓፈልና። ስለዚሕ  ኣምላክ ነዓና ንጹር ከርኤና ኪኢሉ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ክም ሰብ ኮይኑ አብ ምድሪ መጺኡ.ኢየሱስ ከም አቦ ኢና ኒፈልጦ ከምቲ ኢየሱስ ዝበለና <<አነን ኣቦን ሓደ ኢና>> (ዮሓንስ 10:30) ከምኡ ጌሩ ኣምላክ ብኢየሱስ ክርስቶስ ነጊሩና።ከምቲ ቃሉ ከኣ ኢየሱስ ከም ኣምላክ ንሪዮ።ክምቲ እሱ ነዓና ንሰባት ዘሐስበልናን ከምቲ መደቡን።

  ኣምላክ ነዓና ንሰባት እንታይ ይሐስበልና

ኣምላክ ንወዲ ሰብ ፈጢሩ፣ንኩሉ ሕይወት ከኣ ዝበለጸ ነገር አለዎ።ነገር ግን ወድ ሰብ ብሓጢያት ተበላሽዊ፣ብዓይኒ ኣምላክ ኩሉ ሰብ ሓጥያተኛ ኢዩ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ ፍርዲ ኣምላክ ንሰባት፣ፍትሒ የላን ፣ሓደውን የለን  ወላሓደውን የለን ፣ክምቲ ኣምላክ ዝሓተቶ ኩሉ ተሰዊሩ እዩ።ብሓባር ጽቡቅ አይገብሩን ኢዮም፣እዚ ከኣ ጽቡቅ ግብሪ ኣይኮነን።(ሮሜ 3:10-11)ኩሉ ሰብ አብ ኣምላክ ሓጥያተኛ ኮይኑ ተረኪቡ፣ሰብ ድማ ንሓጥያት ከም መዓልታዊ ሂውቱ ክነብሮ ጅመረ።ስለዚ ድማ ሰብ መቅጻእቲ ሓጥያቱ ክሽከም ግዴትኡ ኮነ።

ሓጥያት እንታይ ማለት እያ

ሓጥያት ትርጉሙ ካብ ዕላማካ ምስሓት ማለት ኢያ፣ ኣምላክ ንሰብ ብ አፍልጦ ኢዩ ፈጥሪዎ።ሰብ ድማ እቲ ናይ ኣምላክ ፍልጠት ወይ ፊቃድ ከም ስእሊ ክንጸባረቅ፣  ኣምላክ ንሰብ በእስትንፋሱ ብምስትውዓል ፈጠሮ፣ብድሕሪኡ ሓጥያት መጸ አብ ሂወት ሰብ፣ብድሕሪ ሓጥያት እቲ ናይ ሰብን ኣምላክን ርክብ ተበትከ።ካቡ ንድሓር ሰብ ካብቲ ኣምላክ ዝሃቦ ዕላማ ወጺኡ።ሓጥያት በዚ ይጅምር ፣ሰብ ካብቲ ዝተፈጠረሉ ዕላማ ወጺኡ ከም ፈጣሪኡ ወይ ከም ኣምላክ ክከውን ተመኒዩ።(ማቴ 15:19)

ኩሉ ሓሶት ሓጥያት ኢያ፣ ግናይ ሓሳብ ሓትያት ኢያ፣ኢየሱስ ንሰበይቲ ብሓሳብ ጥራሐ እንተ ተመነካያ ሓጥያተኛ ኢሉ ግለጸልና፣ ዓስቢ ሓጥያት ሞት ኢያ ድሕሪ ሞት ድማ ፍርዲ ኣሎ፣ነብስ ወከፍ ከም ግብሩ ይፍረድ።

ንምንታይ ኣምላክ ብቀሊሉ ምሕረት ዛይገብር

ኣምላክ ጻድቅ ኢዩ፣ንሓጥያት ኪቅበሎ ኣይክእልን እዩ፣ኣምላክ ድማ ንሰብ ክፈርድ ኢዩ ካብ ፈርዲ ድማ ጽድቂ እና ንጽበ።እቲ ፈርዲ ድማ መቅጻዕቲ ያዳለው  ኢዩ ንነፍስ ወከፍ ሰብ፣ኣምላክ ካብ ምቅጻዕቲ ንሰብ ንካውጾ,እዮ ፈርዲ ምካኑ ክቅየር አለዎ፣ኣምላክ እሞ ዛይቅየር እቲ ፈርዲ ንነፍስ ወከፍ ሓጥያት መቅጻዓቲ ይወስዱ።

 ከመይ ገሩ እዚ እዳ ይክፈል

ብሰንኪ ሓጥያት ሰብ ሂወቱ ከንቱ ኮነ፣ኩሉ ሰብ ሓጥያተኛ ስለኮነ ነቲ ሓጥያት መቅጻዕቱ ዝከፍሎ ኣይተረከበን።እቲ ሓደ ብዘይ ሓጥያት ዝንበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላክ ኢዩ፣ ስለዚህ ድማ ኢዩ ንሱ ጥራሕ  ነቲ መቅጻዕቲ ክከፍሎ ዝክእል፣ስለዚህ ድማ ኢየሱስ ንኩሉ ናይ ሓጥያት መቅጻዕቲ ኣብ ርእሱ ወሲዱ ስሌና አብ መስቀል ዝሞተልና።ብዚ ምክንያት ድማ እቲ ናይ ሓጥያት መቅጻዕቲ ተከፊሉ፣ሓደ ሰብ ኢየሱስ ስሊኡ ክብል እቲ መቅጻዕቲ ሞት ክም ዝወሰደ እንተ ኣሚኑ ኣምላክ ምሕረት ይገብረሉ።

ከመይ ጌሬ ይድሕን

ንኣምላክ ለምኖ ናዓካ ንክግለጸልካ ብዛዕባካ ኣምላክ እንታይ ከም ዘሓስብ፣ንስካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስካ ሕማቅን ብዙህ ዝሕፍረካን ትሓስብ ትከውን፣ምናልባት ሓጥያት ትብሎም ትገብሮም ይህልወካ፣ ክትገልጾም ዛይትደሊ ሓጥያት ክሕልወካ ይክእሉ፣ሕጂ ግና ድልው ዲካ ሓጥያትካ ክታረክብ?ንኣምላክ ክታረክቦ,ሕጂ ንስካ ንኣምላክ ተዛረቦ ኩሉ ብዛዕባ ሂወትካ ክትገልጸሉን ክትነግሮን,ክትረክቦን ኩሉ ሓጥያትካ ዘርዚርካ ንገሮን,ለምኖን ነዓካ ምሕረት ክገብረልካ ከምቲ አብ (1 ዮሃንስ 1:9) ከምቲ ቃሉ ዝብሎ፣ብድሕሪኡ ሂወትካ ንኣምላክ ኣረክባ፣ንኣምላክ ለምኖ ንከድሕነካ ሂወትካ ድማ ምስ ኣምልክ ክሰማማዕ፣ካብ ሕጂ ምስ ኣምላክ ሓዲሽ ዝኮነ ርክብ ጀምር  ንዕኡ ድማ ውሉዱ ኢካ(ዮሃንስ 1:-12)ካብ ሕጂ ብዛዕባ ኣምላክ ሕሰብ ንስለ ሓጥያትካ ይቅረ ከም ዝብለልካ ከም ውሉዱ ከም ዝተቀበልካ፣ልከዕ ከም ዝተወልደ ህጻን ሓዲሽ ሂወት ጀምር።

ብከምይ ከም ክርስቲያን ይንበር

ከም ክርስቲያን ምንባር ማለት ንኢየሱስ ምስዓብ ኢያ።ምስኡ ቀጺሉ ዝልኣለማዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ፣እቲ ርክብ ምስ ኣምላክን ወዱን ኢየሱስ ክርስቶስን,ክምኡ ድማ መዓልታዊ ናብኡ ክትጽልይን መጸሓፍ ቅዱስ ክተንብብን፣ ብከምኡ ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቃካ ትፈልጦ፣ንሱ ድማ ኩሉ ጊዜ አርኣያ ይኮነና።

እቶም ይእሩክ ናብ ኢየሱስ ዝጸለዩስ  ኩሉ ጊዜ ድማ ትመሃር ሓጥያት እንዳገደፍካ ንኢየሱስ ትስዕብ ብዙህ ግዜ ናትካ ሓሳባትን ድሌትካን ገዲፈካ ከም ፍቃድ ኣምላክ ትነበር።

ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ምስ ክርስቲያን ህብረት ምግባር ፣ክርስቲያን ዛድልዩና ሓቢርና ክንጽልን መጸሓፍ ቅዱስ ክናነብብን,በዚ ምክንያት ከኣ ነንሕድሕና ክንተሃናነጽ ንክእል። ስለዚህ ኣገዳሲ ኢያ ሓደ ማህበር ቤተክርስቲያን ክህልወካ፣እቲ አብ ሂወትካ ትገብሮ ለውጢ ምሕዝነት ጥራሕ ዘይኮነስ ሰባት ካይርዱእካ ይክእሉ እዮም ንምንታይ ኣብ ሓጥያት ዘይትሓብር ምህላወካ።